Tigrinja

መዝገብ ጥንሲ

ንሕና ኣብ ሽወደን ኣብ ናይ ጥንስን ሕርስን ክንክን ጥዕና ዕዉታት ኮይንና ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ እቶም ዝበለጹ ናይ ሕክምና ውጽኢት ዘሎና ኢና። ሕጂ ብመንገዲ ናይ'ዚ መዝገብ ጥንሲ፡ ናይ ነፍሰ ጾራትን  ዕሸላትን ክንክን ጥዕና፡ ምዕባለን ዝያዳ ጽፈትን ክንቅጽሎ ንደሊ ኣሎና። እዚ 110 000  ወሊዳት ኣብ ዓመት ዘደንቕ ምንጪ  ፍልጠትን ምዕባለን ክኸውን እዩ።

እዚ መዝገብ ጥንሲ ሓደ ዝተመስከረሉ ሃገራዊ  መዝገብ  ጽፈት  እዩ ፡  እዞም ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንሰርሕ ኢና ከኣ መበገስቱ ። ካብ ግዜ ጥንሲ ኣትሒዝና ክሳብ ቁሩብ ሰሙናት ድሕሪ ሕርሲ ሓበሬታ ንእክብን ንሕዝን።  እዚ መዝገብ ሓበሬታ’ዚ ብሕጊ  ሽወደን  ዕቁብ’ዩ ንምዕባለ ዝሓሸ ክንክን ጥዕናን ንምርምርን ጥራይ ከኣ የገልግል።   ብመንገዲ ናትኪ ንውልቃዊ ሓበሬታኺ ከም ዘይፍለጥ ብምግባር፣   ብስቱር ኣጸሓሕፋን  ብውሑስ ኣገባብ  መእተውን፡   እዚ መዝገብ   ማንም ዘይተፈቕዶ ሰብ ነዚ ሓበሬታ  ከም ዘይረኽቦ ይግበር።

ብዛዕባ እዚ መዝገብ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ መሕረሲትኪ  ርክብ ግበሪ።  ሓበሬታኺ ክምዝገብ እንተዘይደሊኺ መሕረሲትኪ ወይ ሓኪምኪ እውን ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም።  ኣብ መዝገብ ጥንሲ ምእታው ወለንታዊ’ዩ።
Tigrinja.pdf